ሰላም ዘልዎ መገሻ ትደልዩ'ዶ፧
ደወል ትራቨል፡ ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕትን ብምዕቡል ቴክኖሎጅን ዝተሰርሐ መሳለጥያ እዩ። ምስ ዓበይቲ ናይ ዓለም መንገዲ ኣየራት ስምምዕ ብምግባር ከኣ ብሕሱርን ጽፉፍን ኣየር ቲኬት፡ ሆቴልን ክራይ መኪናን ቀሪብልኩም ኣሎ።
መቸም መገሻ ክንሓስብ እንከለና፡ መብዛሕቱኡ ግዜ ካብ’ቲ መገሻ ንላዕሊ እቲ ቅድሚኡ ዘሎ ምድላዋት እዩ ጭንቀት ዝገብረልና። ኣየር ቲኬት ክንደልይ፡ ሆቴል ሓዙለይ፡ መኪና ተኻረዩለይ ክንብል ጸሓይ እያ ትዓርበና። ኩላትና ከኣ፡ ቀሊል መንገዲ እንተዝህሉስ ክንደይ ሰናይ መኾነ ኢልና ኢና ንምነይ።
እታ ቀላል መፍትሒት ሽግር እምበኣር ኣብዚኣ ቀሪብናልኩም ኣለና። ደወል ትራቨል ትበሃል። ብቐሊሉ ኣየር ቲኬት ክንቆርጸላ ንኽእል፡ ሆቴል ክንሕዘላ ንኽእል፡ ክራይ መኪናን ካልእ ኣገልግሎታትን ትቕርብ።
ኣብ ዝደለኹሞ ሰዓትን መዓልትን 24 ሰዓታት ደዊልኩም ይኹን ኢመይል ጽሒፍኩም፡ ብቋንቋኹም ኣገልግሎት ክትረኽቡሉ ትኽእሉ መንገዲ ቀሪብናልኩም ኣለና።