ሰላም ዘለዎ መገሻ ይግበረልኩም!!

ደወል ትራቨል፡ ደዊልኩም ብቋንቛኹም ሓገዝ እትረኽቡሉ ትካል እዩ።

ደወል ትራቨል ኣብ ካሊፎርኒያ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝመደበሩ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል እዩ።

ብምዕቡል ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝተሰርሐ፡ ምስ ዓበይቲ ናይ ዓለም ኣገልግሎት መንገዲ ኣየራት ብምስምማዕ ብውሑስ፡ ብዘተኣማምንን ብርትዓዊ-ዋጋን ኣገልግሎት ዝህብ፡ ምስ መገሻ ንዝተኣሳሰር ንጥፈታት ከሳልጥ ዝተመስረተ ትካል እዩ። 

ዕላማና ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም መስርሕ ምድላይ ኣየር ቲኬት፡ ሆቴል ምሓዝ፡ መኪና ምክራይን ካልእ ኣገልግሎታትትን ብዝቐለለ መንገዲ ምቕራብ እዩ።
 
መገሻ ዘይተርፍ ነገር ብምዃኑ፡ ብርትዓዊ ዋጋን ካብ ጭንቀት ነጻን ክኸውን ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ጉዕዞኹም ከኣ፡ ካብ ትኬት ምግዛእ ክሳብ ሆቴልን መኪናን ምክራይ ክንድግፈኩም ድሉዋት ኣለና።
 
ደወል ትራቨል እንተተጠቒምኩም፡ ብቋንቋኹም ሓገዝ እንዳረኸብኩም ብርእሰ ምትእምማንን፡ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ክትጓዓዙ ትኽእሉ።


ደወል | Dewel Travel

+1669 200 3361
support@deweltravel.com